- ኣብቲ ኣኼባ ምሳኻ ጠበቓ ወይ ካላእ ወኪል ንክትማላእ መሰል ኣለካ
እንተድኣ ጠበቓ ዘይብልካ ኰይኑ: ንገለ ውድብ ብምውካስ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ገለ ኣብነታታ ካብተን ክሕግዛ ዝኽእላ ውድባት ከምዘን ዝስዕባ ይዀና፡
ውድብ ሓተቲ ዑቚባ ኖርወይ (NOAS) (ግዳማዊ መራኸቢ)
ዩስቡስ/JussBuss (ግዳማዊ መራኸቢ)
ባዕላዊ ሓገዝ ንስደተኛታት (ሳይፍ/SEIF) (ግዳማዊ መራኸቢ)
ሕጋዊ ምኽሪ ንደቀንስትዮ (ዩርክ/JURK) (ግዳማዊ መራኸቢ) - ኣርእስቲ ኣኼባ እንታይ ከም ምዃኑ ተዳሊኻሉ ምጻእ
ኣርእስቲ እቲ ኣኼባ ብምልኡ ጉዳይካ ክዀውን ይኽእል ኢዩ። ግን ከኣ ገለ ክፋሉ እውን ክዀው ይኽእል ኢዩ፡ ኣቕዲምና ቅና ንሕብረካ ኢና። መወዳእታ ዝተዋህበትካ ውሳኔ ኩሉ ግዜ ከተንብባ ኣለካ፡ ከምኡ እውን ምስ ወኪልካ ክትዛራረበሉ ኣለካ። - ኣብ ጉዳይካ ጌጋ ወይ ዘይምርድዳእ ዝተፈጠረ ኣሎ ድዩ፧
ኣብ ጉዳይካ ጌጋ ወይ ዘይምርድዳእን ዝተፈጠረ ኣሎ ትብል እንተድኣ ኰይንካ፡ ክትነግረና ኢዩ ዘለካ። ከም ንኣብነት እቲ ጌጋ ወይ ዘይምርድዳእ ኣብቲ ምስ UDI ዘካየድካዮ ቃለመሕተት ወይ ኣብ ውሳኔ ናይ UDI ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ትሕዝቶ ዘቕረብካዮ ጥርዓን ኣቐዲምና ስለ ዘንበብናዮ ምንጋር ኣየድልየካን ኢዩ። - ኣብዚ ክትርስዖ ዘይብልካ ኸኣ ኩሎም እቶም ኣብቲ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ዝሳተፉ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ከም ዘለዎም እዩ።
ኩሎም እቶም ኣብቲ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ዝሳተፉ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎም። እዚ ማለት ከኣ ብዛዕባ ጉዳይካ ኣብ ካልእ ቦታ ከይዶም ምስ ዘይምልከቶም ሰባት ክዛራረብሉ ኣይፍቀዶምን ኢዩ ማለት ኢዩ። ስለዚ ድማ ብዛዕባ ጉዳይካ ናጻ ኰይንካ ክትዛራረብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዝካየድ ኣኼባ ዘይምልከቶም ጓኖት መታን ብዛዕባኡ ከይሰምዕዎን ኣፍልጦ ከይረኽቡን ኣብ ዕጹው ማዕጾ ኢዩ ዝካየድ። - ብዛዕባ ጉዳይካ ዝምልከት ሓድሽ ሓበሬታ እንተኣልዩካ፡ ቅድሚ እቲ ኣኼባ ኢኻ ከተረክበና ዘለካ።
ብዛዕባ ጉዳይካ ዝምልከት ሓድሽ ሓበሬታ እንተኣልዩካ፡ ወይ ከኣ ሓደስቲ ሰነዳት ከተቕርብ ደሊኻ፡ ንስኻ ወይ ወኪልካ ኣቐዲምኩም ቅድሚ እቲ ኣኼባ ክትሰዱልና ኣለኩም። እቲ ምኽንያት መታን እቶም ሽማግለ ንክዳለዉሉ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ ኢዩ። - ብዛዕባ መንነትካ ዝምልከት ሰነዳት ክህልወና ኣለዎ
ጉዳይ መንነት መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብቲ ዝካየድ ኣኼባ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ኢዩ። እንተድኣ ፓስፖርት ወይ ካልእ ሰነዳት መንነት ሃልዩካ ወይ ካብ ዓድኻ ከተምጽኦ እትኽእል ሃልዩ ኰይኑ፡ ኣቐዲምካ ቅድሚ ዕለተ-ኣኼባኻ ክትሰደልና ኣለካ። እቶም እትሰዶም ሰነዳት መበቈላውያን/ኦሪጂናል ክዀኑ ኣለዎም። መንነት ድምር ናይ ኩሎም ናይቶም መን ከም ምዃንካ እትህቦም ዝተፈላልዩ ሓበሬታታት ኢዩ። ከም ንኣብነት ሓበሬታታት ብዛዕባ ስምካ፡ ዕለተልደትካ፡ ወለድኻ መን ከም ምዃኖምን ኣበይ ከም ዝተወለድካን ዝኣመሰሉ ሓበሬታታት ኢዮም። ነዞም ሓበሬታታት እዚኦም ከርእዩ ዝኽእሉ ሰነዳት ኣይሃልወካ ድኣ’ምበር፡ ኣለውኒ እትብሎም ክትሰደልና ትኽእል ሰነዳት ክትሰደልና ኣገዳሲ ኢዩ። - ፍሉይ ክማላኣልካ ዘለዎ ጠለብ እንተልዩ ክትሕብረና ኣለካ
ስንክልና/ምግድርና ጥዕናዊ ጸገም ወይ ካልእ ፍሉይ ክማላኣለይ ኣለዎ እትብሎ ጠለብ እንተድኣ ኣልዩካ ኣብ ዝቐልጠፈ ክትሕብረና ኣለካ። - ብቚዕ ብኲራት
እንተ ሓሚምካ፡ ኣብ እንዳ ሽማግለ ተቐበልቲ ይግባይ/Utlendingsnemnda ካብ ምርካብ ዝዓንቀፈካ ሕማም ብወረቐት ሓኪም ከተረጋግጾ ኣለካ። እዚ ናትካ ተሓታትነት ኢዩ። ክትርከብ ምስ ዘይትኽእል፡ ኣብ ዝቐልጠፈ ክትሕብር ኣለካ፡ ከም ዝሓመምካ ዘረጋግጽ ወረቐት ሓኪም እውን ኣብ ዝቐልጠፈ ስደዶ ኢኻ። ከም ልሙድ ብሰንኪ ሕማም ምስ እትብኲር እቲ ኣኼባ ንካልእ እዋን ይሰጋገር ኢዩ። ፍሉይ ውሳኔ ክሕለፈሉ እውን ዘይሕሰብ ኣይኰነን። ከም ግቡእ ካብ ሕማም ወጻኢ ካልእ ምኽንያታት መብኰሪ ኣይንቕበልን ኢና፡ ሕማም እውን ብሓኪም ዝተረጋገጸ ክዀውን ኣለዎ። - መጻኢ ኣዳልን ጉዕዞን
ናብ ሽማግለኣዊ ኣኼባኻ ንክትርከብ ወጻኢታት መጐዓዝያን መሕደርን ምስ ዘድልየካ ክሽፈነልካ ይኽእል ኢዩ። ነዚ ንምስላጥ እንተ ጠበቓኻ ወይ ወኪልካ ክሕጉዙኻ ይኽእሉ ኢዮም። እንተድኣ ጠበቓ ወይ ወኪል ዘይብልካ ኰይኑ፡ ብዛዕባ ጒዕዞን ምሕዳርን ዝምልከት ሓበሬታታት ኣብቲ ናይ ጠበቓ ወይ ወኪል ዝብል ገጽ ብምእታው ዘድልዩኻ ሓበሬታታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ ኣብቲ ዝሽፈን ወጻኢታት ዝብል ኣርእስቲ ሰፊሩ ኣሎ።
