1. ካብ UDI ንዝመጸትካ ውሳኔ ብጥብቂ ኣንብባ።

ኣብቲ ውሳኔ ስለምንታይ UDI ይነጽጉኻ ኣለው ኩሉ ግዜ ይጽሕፍዎ ኢዮም። እንተድኣ ገለ ጐዲሉ ኣሎ ኢሎም ጽሒፎም፡ እቲ ዝጐደለ ንምምላእ ክትጽሕፈልና ትኽእል ኢኻ። ሽዕኡ እቲ ዝሰደድካዮ ርኢና መርሚርና ንጉዳይካ ይቕይሮ ድዩ ኣይቅይሮን ንርእዮ ኢና።

2. ሓገዝ ክትሓትት ትኽል ኢኻ።

ኣብኣብኣብ ገለ ጉዳያት መንግስቲ ኖርወይ ንወጻኢታት ጠበቓ ይሽፉኑ ኢዮም። UDI ንጠበቓኻ ዝኸፍሉልካ እንተድእ ኰይኖም ይሕብሩኻ ኢዮም። ኣብ ካልእ ጉዳያት ጠበቓ ብነጻ ኣይወሃበካን ኢዩ። ወጻኢታት ጠበቓ ባዕልኻ ክትሽፍኖ ኣለካ ማለት ኢዩ።

ናይ ባዕልኻ ጠበቓ ምህላው ዘሸግረካ እንተድኣ ኰይኑ፡ ገለ ገለ ውድባት ክሕግዛኻ ዝኽእላ እውን ኣለዋ። ገለ ካብተን ክሕግዛ ዝኽእላ ጠበቓታት እዘን ዝስዕባ ኢየን፡

ውድብ ሓተቲ ዑቚባ ኖርወይ (NOAS) (ግዳማዊ መራኸቢ)
ዩስቡስ/JussBuss (ግዳማዊ መራኸቢ)
ባዕለ-ሓገዝ ንስደተኛታት (ሳይፍ/SEIF) (ግዳማዊ መራኸቢ)
ሕጋዊ ምኽሪ ንደቀንስትዮ (ዩርክ/JURK) (ግዳማዊ መራኸቢ)
ዩስፎርሚድሊንገን/Jussformidlingen ((ግዳማዊ መራኸቢ)

ብጀካ ጠበቓ ካልእ ሰን ዝውክለካ እንተድኣ ኣሎ ኰይኑ፡ ኣቲ ዝውክለካ ሰብ ንUNE ብጽሑፍ ክሕብሮም ኣለዎ።

3. እንተድእ ግዒዝካ፡ ንፖሊስ እትቕመጠሉ ቦታ ክትሕብሮም ኣለካ። (ግዳማዊ መራኸቢ)

ናበይ ትግዕዝ ከም ዘለኻ እንተድኣ ዘይሓቢርካ ትንጸግ ትዀውን ኢኻ።

4. UNE መን ከም ምዃንካ ክፈልጡኻ ኣገዳሲ ኢዩ።

ካብ ሃገርካ ዝረኸብካዮ ሰነዳት ክትሰደልና ንጉዳይካ ጽቡ ኢዩ፡ እቲ ዝበለጸ ግና ፓስፖርት ምስ ዝዀውን ኢዩ። ናይ ሃገርካ ዝዀነ ሰነዳት መንነት እንተድኣ ዘይብልካ ኰይኑ፡ ስለምንታይ ከም ዘይብልካ ክትጽሕፈልና ኣለካ። እንተድኣ መን ከም ምኻኡንካ ግጒይ ሓበሬታታት ሂብካና፡ ክትንጸግ ትኽእል ኢኻ።

5. ብዛዕባ ጉዳይካ ዝምልከቱ ሓደስቲ ሓበሬታታት እንተድእ ኣሊዮምኻ፡ ክትሰደልና ኢዩ ዘለካ።

ጉዳይካ ኣብ UNE ብጽሑፍ ኢዩ ዝርአን ዝውሰንን። እዚ ማለት ከኣ፡ እንተ ንስኻ ወይ ጠበቓኻ/ወኪልካ ብዛዕባ ጉዳይካ ዝምልከት ሓበሬታታት ብምጽሓፍ ኢኹም ናባና ትሰድዎ። ብዛዕባ ጉዳይካ ዝምልከት ሓበሬታታት ብተሌፎን ክንቕበል ኣይንኽእልን ኢና። ገለ ግለ ሓበሬታታት ከኣ፡ ከምኒ ብዛዕባ ጥዕና ዝኣመሰሉ ፡ ብሰነድ ክቐርቡ ኣለዎም።