እቶም ዝበዝሑ ጉዳያት ኣብ UNE ብዘይ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ኢዮም ዝውሰኑ። እንተድኣ ቅኑዕ ውጽኢት እቲ ጉዳይ ከመይ ከም ምዃኑ ተጣራጢርናሉ ግና፡ ብሽማግለኣዊ ኣኼባ ኢና ንውስኖ።

መብዛሕቲኦም ጉዳያት ብመራሕ ሽማግለ UNE ዝውሰኑ፡ ጉዳያት ዑቚባ ወይ ብመሰረት ሰብኣዊ ርህራሄ ኢዮም። ነቲ ውጽኢት ዝውስኑ ድማ ሰለስተ ሰባት ብሓባር ኰይኖም ኢዮም ዝውስንዎ።ብመራሕ ሽማግለ ኣብ UNE ንክሰርሕ ዝተቘጽረ ምስ ክልተ ካልኦት ካብ ግዳም ዝመጽኡ ዝቈሙ ድማ ኢዮም። ኣብ መብዛሕቲኦም ኣጋጣሚታት ድማ እቲ ዝምልከቶ ሰብ ኣብቲ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ተረኪቡ ነቶም ሽማግለ ቃሉ ንከስምዕ ኢዩ ዝጽዋዕ።

ዕላማ ናይ ሽማግለኣዊ ኣኼባ መብዛሕቲኡ ግዜ ቅድሚ ውሳኔ ምውሳና ብዙሓት ተወስኽቲ ሓበሬታታት ንምርካብ ኢዩ። ኣብ ገለ እዋናት ከኣ ዘጠራጥር ኩነታት ሃገር፡ ርድኢት ሕጊ ወይ ካልእ ኣገደስቲ ሕቶታት ምስ ዝህሉው ኢዩ።

ከም ንኣብነት ኣብ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ብኸምዚ ምኽንያት ክንውስን ንኽእል፡

  • ዝምልከቶ ሰብ ክን ነዛራርቦ ምስ ዘድልየና። ገሊኦም ከኣ ምናልባሽ ብዛዕባ ጉዳዮም ዝምልከት ኣገድስቲ ኣርእስቲታት እኹል ሓበሬታታት ንኽህቡ ዕድል ዘይረኸቡ ምስ ዝዀኑን’ዩ።
  • ቅኑዕ ሓበሬታ ከም ዝሃበና ኣንተድእ ተጣራጢርና። እቲ ዘጠራጥር ሓበሬታታት ከምኒ ሓበሬታታት መን ከም ምዃኑ፡ ኣገደስቲ ፍጻሜታት ወይ ብዛዕባ ኩነታት ሃገሩ ክዀውን ይኽእል። ዑሙቚ ዝበለ መግለጺ ምህባ ርጉጽነት ዘለዎ ውሳኔ ንምውሳድ መሰረት ክፈጥር ይኽእል ኢዩ።
  • መንበር-ፍቓድ ንምሃብ፡ ንምስጓግ ወይ ከኣ ዝተዋህበ ፍቓድ ንከነንሳሕብ ርግጸኛታት ምስ ዘይንዀውን ኢዩ። እቲ ርግጸኛታት ዘይንዀነሉ ምኽንያት ብሰንኪ ከቢድ ሕማም ወይ እውን ሓልዮት ኣብ ኖርወይ ንነዊሕ እዋን ዝተቐመጠ ቈልዓ ክዀውን ይኽእል ኢዩ። መብዛሕቲኡ እዋናት ድማ ከምዚ ዓይነት ጉዳያት ዘለዎም ሰባት እቲ ሽማግለ ጉዳዮም ንክውስነሎም ብኣካል ክረኸቦም ኣየድልዮን ኢዩ።