ኣብ ገሊኦም ጉዳያት ምስቲ ዝምልከቶ ብዓል ጉዳይ ኢና ክንዛራረብ ንደሊ። ንምድላዋት ዝዓለመ ዝርርብ ንምክያድ ድማ ክንጽውዓካ ንኽእል ኢና ማለት ኢዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ዝርርብ ምሕደራዊ ዝርርብ (forvaltningssamtale) ተባሂሉ እውን ይጽዋዕን ኢዩ።

ዕላማ እዚ ዝርርብ-ተዳልዎ፡ ጉዳይካ ቅድሚ ምርኣይናን ምውሳናን ብዝከኣል መጠን ብጥብቂ ንምብራህ ኢዩ። ከም ንኣብነት ቅድሚ ኣብ ውሳነ ምብጻሕና ምሳኻ ክንዛራረበሎም እንደልዮም ጉዳያትን ብዛዕባ ዘቕረብካዮም ስነዳት ይዂኑ ሓደስቲ ሓበሬታታት ዝምልከቱ ሕቶታትን ክህልውና እውን ይኽእሉ ኢዮም፡።

ንስኻ ይኹን እዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከቶም ካልኦት ኣካላት ምሳና ዝርርብ-ተዳልዎ ንምክያድ ብወገንኩም ባዕልኹም ክትሓቱና ይከኣል ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ዝርርብ ንምክያድ ክትጠልብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ከምዚ ዓይነት ዝርርብ ንምክያድን ዘይምክያድን ዝውስን ንሕና ኢና። ሽማግለ ኣብያተጽሕፈት ጉዳያት ወጻእተኛታት ተቐበልቲ ይግባይ/UNE ምርኣይናን ምውሳንን ጉዳይ ብመሰረቱ ብጽሑፋዊ ኣገባብ ኢዩ ዘካይዶ።

ንውከሰካ ኢና

ብወገና ምሳና ዝርርብ-ተዳልዎ ተካይድ ኣለካ እንተድኣ ኢልና፡ እንተ ንዓኻ ወይ ጠበቓኻ ወይ ከኣ ንካልእ ኣብዚ ጉዳይካ ዝውክለካ ወኪል ኢና ንውከሰ። ዝርርብ ንምክያድ ግዜ ቈጸራ ብምሓዝ እቲ ዝርርብ እውን ብኸመይ ከነካይዶ ከም ምዃና ብዝብል ንቋጸር ኢና። ማዐረ ማዕሪኡ ድማ ብፍሉይ ክሽፈነልካ ዘለዎ ወጻኢታት ከይህሉ ንክሽፈነልካ ኣቐዲምና ነነጽሮ ኢና።

ዝርርብ ንምክያድ ቈጸራ ምስ ሓዝና ተወሳኺ ሓበሬታታት ዝሓዘለ ደብዳቤ ንሰደልካ ኢና። ዲጂታላዊ ሳጹን-ፖስታ እንተሃልዩካ፡ ናብኡ ኢና ንሰደልካ። እንተዘይኰይኑ፡ ብኢ-መይል ኢና ንሰደልካ።

ንዝዝርብ ምስ ጸዋዕናካ ክትርከብ ግድን ኣይኰነን። ምሳና ክትዛራረብ ምስ ዘይትደሊ፡ ኣይደልን ኢየ ኢልካ ክትሕብረና ኣገዳሲ ኢዩ።

መብዛሕቲኦም ዝርርባትና ብዲጂታላዊ መገዲ ኢዮም ዝካየዱ

እቲ ንቡር ኣገባብ ብመገዲ ማይክሮሶፍት ቲምስ/Microsoft Teams ኢዩ ዝካየድ። ኣብ ተሞኲሮና ተሞርኲስና ድማ ብቕዓት ዲጂታላዊ ዝርርብ ካብቲ ብኣካል ተረኪብካ ዝካየድ ዝርርብ ከምዘይፍለ ኢዩ። ዲጂታላዊ ዝርርብ ንምክያድ ኣብ ዘይትርበሸሉን ዘየድልዩ ካልኦት ሰማዕቲ ዘይብሉን ክትህሉ ኣለካ። ኣብ ገለ ገለ እዋናት እቲ ዝርርብ ኣብ እንዳ ጠበቐኻ ወይ ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ቤት ጽሕፈት ክካየድ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ከኣ እቲ ዝርርብ ብተሌፎን ክካየድ ይኽእል ኢዩ።

ይኹን ድኣ እምበር፡ እቲ ዝርርብ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብኣካል ተረኪብካ ክካየድ ይኽእል ይዀውን’ዩ። ኣብ ኣዳራሻት ሽማግለ ኣብያተጽሕፈት ጉዳያት ወጻእተኛታት ተቐበልቲ ይግባይ/UNE ከኣ ኢዩ ዝካየድ። እቲ ዝርርብ ኣብ ኣዳራሽና ንከነካይዶ እውን ባዕልኻ ክትሓተና ትኽእል ኢኻ። ብወገና ድማ ከነሳልጠልካ ክንፍትን ኢና፡ ወላ ሕተተና ድኣ’ምበር ርግጸኛታት ኰይና ሕራይ ክንብለክ ግና ኣይንኽእልን ኢና።

ንሽማግለኣዊ ኣኼባ ዝትክእ ኣይኰነን

ዝርርብ-ተዳልዎ ከምቲ ብኣብያተጽሕፈት ጉዳያት ወጻእተኛታት ተቐበልቲ ይግባይ/UNE ዝካየድ ሕደ ዓይነት ኣኼባዊ ዝርርብ ኣይኰነን። ብዛዕባ ጉዳይካ ዝምልከት ሓቅነታዊ ውጽኢት ምስ ዘጣራጥረና ሽማግለኣዊ ኣኼባ ኢና ነካይድ። እዚ ምሳና ዝርርብ ኣካይድ ኣይተካይድ ብዘየገድስ ዝምልከት ኢዩ። ሽማግለኣዊ ኣኼባ እንታይ ማለት ከም ምዃኑ ኣብዚ ብምእታው ዝያዳ ሓበሬታ ክንበብ ይከኣል። (English only)

ንቈልዑ ብፍሉይ ዝምልከት

ቈልዑ ኣብ ዝምልከቶም ጉዳያት ንክስምዑ መሰል ኣለዎም። መብዛሕቲኡ ግዜ ቈልዑ ሓሳባቶም ካብ ብጽሑፍ ብኣፎም ንክገልጹ ይቐለሎም፡ ስለዚ ቃሎም ኣብ ክህብሉ ዝኽእሉ ዝርርብ ምክያድ ክስምዕሉ ዝኽእሉ ግርም ኣገባብ ክዀውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኢዩ ድማ ኣብ ገለ ገለ እዋናት ምስ ሽማግለ ኣብያተጽሕፈት ጉዳያት ወጻእተኛታት ተቐበልቲ ይግባይ/UNE ንክዛራረቡ ዕድላት ዝወሃቦም፡ እዚ ወላ ኣብ ናይ ወለዶም ይኹን መቕርቦም ዝምልከት ጉዳያት ክዀውን ይኽእል ኢዩ።

ዝርርብ ንከነካይድን ከየነካይድን ካብ ጉዳይ ንጉዳይ እናርኣና ኢና ንግምግሞ። ይዂን ድኣ’ምበር ሓደ ቈልዓ ንከነዛራርቦን ከይነዛራርቦን ሽማግለ ኣብያተጽሕፈት ጉዳያት ወጻእተኛታት ተቐበልቲ ይግባይ/UNE ኢዮም ዝውስንዎ። ብዝዀነ ኰይኑ ቈልዑ ቃሎም ንክህቡ ወይ ምሳና ንክዛራረቡ ፍጹማዊ ግዴታ ዘለዎም ኣይኰነን።

ሓደ ቈልዓ ዝርርብ ኣብ ዘካይደሉ እዋን ብሞጒዚ/መጒዚት ወይ ብዝተመዘዘሉ ወኪል ወይ ብናተይ ዝብሎ ባዕሉ ዝመርጾ ደጋፊ ሰብ ይስነ’ዩ። ኣቐዲሙ ግና እንተ ብወለዲ ወይ ብሞጒዚ/መጒዚት ሓበሬታታት ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክውሃቦ ይግባእ። ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ስለ ዘለና ብዛዕባ ናይ ወለዲ ይኹን ብዛዕባ ናይ ካልኦት ጉዳያት ዝምልከት ሓበሬታታት ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና። ቈልዓ ንክስማዕ መሰል ኣለዎ ዝብል መግለጺ ፊልም ኣብዚ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።

ግብራዊ ሓበሬታታት

ኣቐዲሙ ቅድሚ እቲ ዝርርብ ብዛዕባ ምንታይ ዝምልከት ከም ምዃኑንን ክትዳለወሎም ዘለካ ፍሉያት ዛዕባታት ወይ ሕቶታት ከም ዘለዉን መብርሂ ዝሓዘለ ደብዳበ ክወሃበካ ኢዩ። እቲ ዝወሃበካ ደብዳበ ብደምቢ ከተምብቦን ተዳሊኻ ክትቐርብን ኣገዳሲ ኢዩ። እነናድዮም ሕቶታት ምምላእ ኣይትረስዕ።

ቈልዓ ዝርርብ ንከካይድ ከይተጸውዐ ምስ ዝርከብ ኣብቲ እቲ ወላዲ ዘካይዶ ዝርርብ ኣይሳተፍን ኢዩ። ሓለዊ ቈልዓ ምስ ዘድልየካ ባዕልኻ ኢኻ ከተሳልጦ ዘለካ።

  • ኣብ ርእሲ እታ ንሰዳ ደብዳበ ብዓውደ-ኣዋርሕ ዝተኣሳሰረ መጸዋዕታ ብኢ-መይል ክንሰደልካ ኢና።
  • እቲ መጸዋዕታ ክንሰዶ እንተድኣ ኰይና እትጥቀመሉ ኢ-መይል ኣብ መዝገብና ዝተመዝገበ ክዀውን ኣለዎ።
  • ኣብቲ ብዓውደ-ኣዋርሕ እንሰዶ ዕድመ እቲ ርክብ መዓስ ከም ምዃኑ ይጸሓፍ ኢዩ፡ ከምኡ እውን ምስኡ መራኸቢ መስመር ማይክሮሶፍት ቲምስ/Microsoft Teams-lenke ነስዕብ ኢና።
  • ቀቅድሚ እቲ ኣኼባ ምጅማሩ ኣብታ ዝተሰደደትልካ መራኸቢት/ሊንክ ኢኻ ትጥውቕ።
  • ኣብ ዘይትርበሸሉን ዘየድልዩ ሰማዕቲ ዘይብሉን ጽሞናዊ ቦታ ንክትህሉ ድማ ከተረጋግጽ ኣለካ።

ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ዝዀኑ ኣካላት ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎም። እዚ ማለት ከኣ ብዛዕባ ጉዳይካ ዝምልከት ምስ ካልኦት ክዛራረቡ ኣይፍቀዶምን'ዩ ማለት ኢዩ።

ከም ልሙድ ሓደ መራሒ ኣኼባ ሽማግለ እዩ ነቲ ዝርርብ ዝመርሖ። ብተወሳኺ እዞም ዝስዕቡ ክሳተፉ ይኽእሉ ኢዮም፡

  • ተሓዚ ጉዳይ
  • ጠበቓ ወይ ካልእ ሕጋዊ ወኪል
  • ተርጓማይ
  • ሞጒዚ/መጒዚት ወይ ብዝተመዘዘሉ ወኪል ወይ ናተይ ዝብሎ ባዕሉ ዝመርጾ ደጋፊ ሰብ
  • ብቐዳምነት ኩሎም ተሳተፍቲ ኣካላት ነነብሶም የላልዩ። እንተድኣ እቲ ዝርርብ ብቲምስ ዝካየድ ኰይኑ፡ ኩሎም ነንሓድሕዶም ብንጹር ይሰምዑ ከም ዘለው፡ ኣብ ዘይርበሽሉ ቦታን ክፍልን ኰፍ ኢሎም ከም ዘለውን ተክኒካዊ መዳይን ከም ዝድለ ይሰርሕ ከም ዘሎን ኣቐዲምና ነረጋግጽ ኢና።
  • ከም ልሙድ ብዛዕባ ናይቲ ዝርርብ ዝዀነ ኣርእስቲ ናጻ ኰይንካ ንክትዛረብ ንሓተካ ኢና። ኣብ ገለ ገለ እዋን ድማ እቲ ዝርርብ ብመልክዕ ቃለ-መሕተት ኢዩ ዝካየድ፡ ማለት ንሕና ሕቶ ነቕርብ ንስኻ ከኣ መልስኻ ትህበ።
  • ጠበቓኻ፡ ሞጒዚኻ/መጒዚትካ ወይ ካልኦት ምሳኻ ምስ ዝህሉው ሕቶታት ንከቕርቡ ዕድል ይወሃቦም ኢዩ።
  • ጸብጻብ ናይቲ ዝካየድ ዝርርብ ንጽሕፍ ኢና። ኣብ ምውዳእ እቲ ኣኼባ ዋና ነጥብታት ኣርእስትታት ዝርርብና ኣልዒልና ብሓባር ሕልፍ ሕልፍ ንብሎም ኢና።
  • ድሕሪ እቲ ኣኼባ ጸብጻብ ናይቲ ዝርርብ ንሰደልካ ኢና። ጠበቓ፡ ሞጒዚ/መጒዚት ወይ ወኪል እንተሃልዩካ እውን ንሰደሎም ኢና።

ዝርርብ ንምክያድ ንሕና ምስ እንጽውዓካ ኣብያተጽሕፈት ሽማግለ ጉዳያት ወጻእተኛታት ተቐበልቲ ይግባይ/UNE ኢዩ ወጻኢታትካ ዝሽፍነልካ። ከም ንኣብነት ካብን ናብን ኣዳራሻትና ዝምልከት ወጻኢታት መጓዓዝያ ንሕና ኢና ንሽፍነልካ። ኣብ ገሊኡ እዋናት ድማ ወጻኢታት መሕደሪ ቦታ ከከም ኣድላይነቱ ንሽፍኖ ኢና።

ብዲጂታላዊን ተሌፎንን ዝካየድ ዝርርብ ወጻኢታት ምስ ዝህሉ እውን ክንሽፍኖ ንኽእል ኢና፡ ከም ንኣብነት እንተ ናብ ቤት ጽሕፈት ጠበቓኻ ወይ ካልእ ዝምልከት መንግስታዊ ኣብያተጽሕፈታት ንምጒዓዝ ኣድላዪ ምስ ዝዀውን ማለት ኢዩ።

ዝርርብ ንምክያድ ባዕልኻ ምስ እትሓትት፡ ነቲ ዝርርብ ንምክያድ ወጻኢታት ምስ ዝህልወካ ኣይንሽፍነልካን ኢና። ንዘይጸዋዕናዮም ሰባት ዝምልከት ወጻኢታት እውን ኣይንሽፍንን ኢና። ገለ ካብቲ ነቲ ዘይጸዋዕናዮ ዝምልከት ወጻኢታት ክንሽፍኖ እንተዀይና ኣቐዲምካ ምስቶም መጸዋዕታ ንምስዳድ ዝምልከቶም ኣብያተጽሕፈት ሽማግለ ጉዳያት ወጻእተኛታት ተቐበልቲ ይግባይ/UNE ኣቐዲምካ ንምንጻር ከተፍልጥ ኣለካ። ንኣድላይነቱ ብዝምልከት ድማ ብጥብቂ ከተብርሆ ኣለካ።

ነቲ ዝርርብ ንምክያድ ዝምልከት ወጻኢታት ጠበቓ ኣይንሽፍንን ኢና። ጠበቓ እንተሃልዩካ፡ ወጻኢታት መጓዓዝያን ምናልባሽ እውን መሕደሪ ቦታ ጠበቓ ኣድላዪ ምስ ዝዀውንን ክንሽፍኖ ንኽእል ኢና።

ወጻኢታት መጓዓዝያ ንክሽፈነልካ መሰል ምስ ዝህልወካ፡ ወጻኢታትካ ንምምላስ ዝምላእ ቅጺ (English only) ክትመልኦ ኣለካ፡ መሊእካ ምስ ቅብሊታት ወጻኢታት መጓዓዝያታትካ ኣስኒኻ ናብ እዚ ኢ-መይል እዚ ስደዶ፡ supportoko@une.no። ብፖስጣ እውን ብደብዳበ ናብ ፖስጣ ኣድራሻና (English only) ክትሰዶ ትኽእል ኢኻ። ከምኒ ናይ ኣውቶቡስን ባቡራትን ዝኣመሰለ ወጻኢታት መጓዕዝያ እውን ንሽፍን ኢና፡ ወጻኢታት ናይ ታክሲ ግና ከም ንቡር ኣይንሽፍንን ኢና። ታክሲ ክትጥቀም ግድን ምስ ዝዀውን ኣቐዲምካ ምስቶም መጸዋዕታ ንምስዳድ ዝምልከቶም ኣብያተጽሕፈት/UNE ክትወዓዓል ኣለካ።

ብነፋሪት ወይ ዞባዊት ባቡር ክትጓዓዝ ኰይንካ ብመንገዲ Egencia ዝብሃሉ ወኪል መጓዕዝያ ኢኻ በዚ ተሌፎን እዚ ብምድዋል 23 15 04 30 መሳፈሪ ትኬት ትእዝዝ። ኣብታ ዝሰደድናልካ ደብዳበ ተጻሒፉ ዘሎ ኮድን ውልቃዊ መወከሲ ቊጽሪን ብምሃብ ኢኻ ትእዝዝ።

እንተድኣ እቲ ዝርርብ ኣብ ኣዳራሽ UNE ዝካየድ ኰይኑን ናብኡ ንምምጻእ መሕደሪ ቦታ ዘድልየካ ኰይኑን፡ ምስቶም መጸዋዕታ ንምስዳድ ዝምልከቶም ኣብያተጽሕፈት/UNE በዚ ኢ-መይል እዚ mail_inka@une.no ክትውከሶም ትኽል ኢኻ።

ኣብ Gabels gate 16 ኣብ Frogner/ፍሮግነር ዝርከብ ሆቴል Clarion Collection Hotel Gabelshus ውዕል ኣለና። እቲ ሆቴል ቊርስን ዝማላእ ጥዓሞትን ድራርን ኣለዎ፡ ካብ ኣዳራሽ UNE ድማ ዳርጋ 35 ደቓይቕ ብኣጋር ርሒቚ ይርከብ። ባቡር ከተማ ቊጽሪ 13 ካብ Skillebekk እውን ክትወስድ ትኽእል ኢኻ፡ ኣብ Dronningens gate ድማ ትወርድ።

ብነፋሪት ወይ ብዞባዊት ባቡር ክጓዓዙ ንዝግደዱ ጠበቓታት ወጻኢታት መጓዓዝያ ክሽፈነሎም ይከኣል’ዩ፡ ከምኡ እውን ምናልባሽ ወጻኢታት መሕደሪ ሆቴል እንተ’ድልዩ ክሽፈነሎም ይከኣል’ዩ። ብመንገዲ Egencia ዝብሃሉ ወኪል መጓዓዝያ ድማ ክእዝዝ ኣለዎ እቲ ጠበቓ። ሆቴልን መጓዓዝያን ድሕሪ መጸዋዕታ ምቕባሉ ኣብ ዝቐልጠፈ ብሓንስብ ክእዘዝ ኣለዎ። እቲ ዝእዝዝ ኣብታ ካብ UNE ዝተሰደደት ደብዳበ ተጻሒፉ ዘሎ ኮድን ውልቃዊ መወከሲ ቊጽሪን ብምሃብ ክእዝዝ ኣለዎ።

እታ ወኪል መጓዓዝያ ምስ UNE ውዕል ዘለዎም ቈወምቲ ሆቴላት ኢያ ትጥቀም። ኣብዚ እዋን እዚ ምስ እዞም ሆቴላት እዚኦም እዩ ውዕል ዘለና፡ Comfort Hotell Børsን Comfort Hotell Karl Johanን። እዘን ሆቴላት እዚኣተን ብምምልአን መሕደሪ የብልናን ክሳብ ዘይበላ ብጀክአን ካልኦት ሆቴላት ክምረጽ ኣይከኣልን ኢዩ። ጠበቓ ክጓዕዝ እንከሎ ብመሰረት መንግስታዊ መምርሒታት ሕግታት መጓዕዝያ ከም ዝከኣል መጠን በቲ ዝሰለጠን ዝሓሰረን ንኣከባቢና ዝቐደወ ኣገባብን ኢዩ ክጒዓዝ ዘለዎ።

Egencia ወኪል መጓዓዝያ ኰይኑ ምስ UNE ውዕል ዘለዎ ኢዩ። ነፋሪት/ባቡር/ሆቴልን ብመገዲ እዛ ወኪል መጓዓዝያ እዚኣ ኢኻ ትእዝዝ። ብኢ-መይል ወይ ብተሌፎን ድማ ኢኻ ክትእዝዝ ትኽእል፡

ቊጽሪ ስልኪ: 23 15 04 30 (24 ሰዓታት ክፉት'ዩ)

ኢ-መይል/E-post: customer_service@egencia.no

ትኬት መጓዕዝያን መሕደሪ ሆቴልን ንምእዛዝ ከም ዝከኣል መጠን ኣብ ንቡር ሰዓታት ስራሕ ክእዘዝ ከም ዘለዎ ነገንዝብ።