ኩሎም ቈልዑ ንክስምዑን ኣብ ንዕኦም ዝምልከት ውሳኔታት ንክሳተፉን መሰል ኣለዎም። ኣብ ውዕል ቈልዑ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሩ ድማ ይርከብ (ግዳማዊ መራኸቢ)። እዚ ኽኣ ንስኻ ከም ቈልዓ መጠን ኣብ ብዛዕባኻን ብዛዕባ ስድራቤትካን ዝምልከት ጉዳይ ሓሳባትካን ዝመስለካን ንክትገልጽ መሰል ኣለካ ማለት እዩ። ንክትስማዕ ዝውስነልካ ብጀካኻ ካልእ ወላ ሓደ የለን። ከምኡ እውን UNE ብዛዕባኻ እንታይ ክፈልጡን ብዛዕባ እንታይ ክትዛረብ ከም ዘይትደልን ዝወስን ንስኻ ኢኻ።

ንUNE ርእይቶኻ ክትገልጸሉ ትኽእለሉ ብዙሕ ኣገባባት ኢዩ ዘሎ። ንእትኣምኖ ዓቢ ሰብ ከተዛራርቦ ትኽእል ኢኻ፡ ማለት ከምኒ ወላዲኻ፡ ተኻታታሊት ጥዕና ኣደን ቈልዑን፡ መምህርካ፡ ኣሰልጣኒኻ ወይ ጠበቓኻ ዝኣመሰሉ ዝዀኑ ማለት ኢዩ።

እቲ እተዛራርቦ ዓቢ ሰብ ዘዝነገርካዮ ጽሒፉ ናባና ክሰዶ ኣለዎ። ባዕልኻ እውን እንተ ጽሒፍካ ወይ ስኢልካ ናባና ክትሰዶ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ገለ እዋናት መጺኻ ምሳናና ንክትዛራረብ UNE ኢዮም ክትመጽ ትኽል ዶ ኢሎም ዝሓቱኻ። ከከም ፍቶትካ ኢዩ። ምጻእ እንተድኣ ተባሂልካ፡ እትኣምኖ ዓቢ ሰብ ሒዝካ ክትመጽእ ትኽእል ኢኻ።

ምሳኹም ክዛራረብ ደልየ ኢልካ እውን ባዕልኻ ክትሓተና ትኽእል ኢኻ። ሕራይ፡ እንተድኣ ኢልናካ፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ-ኣኼባ ኣብ ቤት ጽሕፈትና ኣብ ኦስሎ ወይ ብተሌፎን ቢኢንተርነት ተራኺብና ሓቢርና ክንዛራረብ ንኽእል ኢና። ኣብ እትወከሰና እዋን፡ ብኽመይ ክንዛራረብ ከም ምዃና ክንወዓዓል ኢና።

ምሳና እኼባ ምክያድ ከመይ ከም ዝመስል ዘርኢ ፊልም ኣብዚ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ።

ከም ንቡር እንታይ ከም ዝነገርካና ወለድኻ ይንገሩ ኢዮም። ጠበቓ እንተልይዎም ኰይኑ ኽኣ ጠበቐኦም እውን ይንገር ኢዩ። ብዘይ ናይ ወለድኻ ኣፍልጦ ክትነግረና ዝደለኻ ነገር እንተልዩ፡ ብኸመይ ከም እትነግረና ግርም ፍታሕ ንረኽበሉ ኢና። ኣየናይን ስለምንታይን ብምስጢር ክትዕቅቦ ከም እትደልን ግና ክትሕብረና ኣለካ።

ጐነጽ ወይ ግፍዒ ይወርደካ ኣሎ ዝብል እምነት እንተድኣ ኣሕዲርና እንተ ንተሓለቕቲ ቈልዑ ወይ ፖሊስ ግድን ከነመልክት ኣለና። ኣብዚ ገጽ መርበብ ሓበሬታ እዚ ብምእታው ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ስራሕ ተሓለቕቲ ቈልዑ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። መሰላት ቈልዑን መንእሰያትን ኣብ እንዳ ተሓለቕቲ ቈልዑ - ተጸዋዕቲ ቈልዑ። (Norwegian only)

ርእይቶኻ ምስ ሃብካ UNE ሒዞሞ ዘለዉ ጉዳይ ስድራቤትካ ንምውሳን ስርሖም ይቕጽሉ። ሰሚዖምኻ ማለት እንታይ ይግበር ትውስን ማለት ኣይኮነን። ኩሉ ግዜ ብመሰረት ህሉዋት ሕግታት UNE እዮም ዝውስኑ። ሽሕ'ኳ UNE ገሊኦም ኣባላት ስድራቤትካ ኣብ ኖርወይ ክቕመጡ እንተዘያፍቀዱሎም ብፍጹም ናትካ ጌጋ ኣይኮነን።