ቁለዓ ኰይንካ ኣብ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ክትሳተፍ ዲኻ፧
ኣብ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ኣብ ዝካየደሉ እዋን እንታይ ከም ዝካየድ ኣብዚ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ፡
ኣብ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ኣብ ዝካየደሉ እዋን እንታይ ከም ዝካየድ ኣብዚ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ፡ (እቲ ትሕዝቶ ብቋንቋ እንግሊዘኛ ጥራሕ’ዩ።)
(እቲ ትሕዝቶ ብቋንቋ ኖርወይኛን እንግሊዘኛን ጥራሕ’ዩ)
ኣብ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ተሳቲፍካ ምሳና ንክትዘራረብ እንተድኣ ተጸዊዕካ፡ እትጽውዓሉ ምኽንያት ብዛዕባኻ ዝያዳ ሓበሬታታት ስለ ዝደለና ኢዩ። ወላ ምስና ንክትዛራረብ እንተደለኻ፡ ምርጭኻ ኢዩ፡ ከከም ፍቶትካ ኢዩ። እትኣምኖ ዓቢ ሰብ ምሳኻ ክትማላእ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ብዛዕባኻን ብዛዕባ ወለድኻን ዝምልከት ጉዳይ ርእይቶኻ ንክትገልጽ መሰል ኣለካ። እዚ ማለት ከኣ ባዕልኻ ክትውስን ትኽእል ኢኻ ማለት ኣይኰነን፡ ቅድሚ እቲ ጉዳይ ምውሳና ግና፡ ንዓኻ ይሓይሽ እንብሎ ሓልዮት ከነቐድም ኣለና።
ኣብ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ተሳቲፍካ ምሳና ንክትዘራረብ እንተድኣ ተጸዊዕካ፡ እትጽውዓሉ ምኽንያት ብዛዕባኻ ዝያዳ ሓበሬታታት ስለ ዝደለና ኢዩ። ወላ ምስና ንክትዛራረብ እንተደለኻ፡ ምርጭኻ ኢዩ፡ ከከም ፍቶትካ ኢዩ። እትኣምኖ ዓቢ ሰብ ምሳኻ ክትማላእ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ብዛዕባኻን ብዛዕባ ወለድኻን ዝምልከት ጉዳይ ርእይቶኻ ንክትገልጽ መሰል ኣለካ። እዚ ማለት ከኣ ባዕልኻ ክትውስን ትኽእል ኢኻ ማለት ኣይኰነን፡ ቅድሚ እቲ ጉዳይ ምውሳና ግና፡ ንዓኻ ይሓይሽ እንብሎ ሓልዮት ከነቐድም ኣለና።
ጉዳይካ ብዛዕባ ምንታይ ከም ምዃኑ ክትፈልጦ ኣለካ። ንወለድኻ ሕተቶም። እቲ ጉዳይ ንዓኻ ዘይምልከት ንሓደ ካብ ወለድኻ ዝምልከት ጥራይ እንተድኣ ኰይኑ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክንነግረካ ኣይንኽእልን ኢና።
እታ ፊልም ቀቅድሚ ምምጻእካ ርኢኻ ንዓና ክትነግረና ዘለካ ኣገዳሲ ዝዀነ እንታይ እንታይ ኣሎ ኢልካ ቊሩብ ሕሰበ ኢኻ። እንታይ ክትነግር ንዝብል ንስኻ ጥራይ ኢኻ ትውስን፡ ዝውስነልካ ካል የለን።
ኣብ UNE ምስ ሓደ መራሕ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ክትዛራረብ ኢኻ። እቲ መራሕ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ተሓታቲ ጉዳይካ ኰይኑ ኣብ ኖርወይ መን ክቕመጡን ከይቕመጡን ብዝብል ካብቶም ዝውሱኑ እዩ። ምስቲ መራሕ ሽማግለእኣዊ ኣኼባ ኣብ ናይ በይንኹም ክፍሊ ኰይንኩም ክትዛራረቡ ትኽእሉ ኢኹም፡ ወይ ከኣ ኣብ ሓንቲ ዕብይ ዝበለት ክፍሊ ምስ ጠበቓን ካልኦት ብዙሓት ዓበይቲ ሰባትን ዘለውዎ ክፍሊ ኰይንኩም ክትዛራረቡ ትኽእሉ ትዀኑ ኢኹም። ኣበይን ብኸመይን ንክትዛራረቡ ኣቐዲምና ኢና ንቋጸር። እንተድኣ ምስ መራሕ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ኣብ ናይ ባዕልኹም ክፍሊ ክትዛራረቡ ኰይንኩም፡ ኣብ ጥቓ እታ ትዛራረቡላ ክፍሊ እትረክብ ካልእ ክፍሊ ብዝሕ ዝበሉ ዓበይቲ ሰባት ክህልው ኢዮም። ብዛዕባ እትዛራረብዎ ድማ ይከታተሉኹም። እንተድኣ እንተ ጠበቓ ወይ ሞጒዚት ምሳኻ መጺኦም፡ ንሳቶም እውን ኣብታ ካልኣይቲ ጐሬቤት ክፍሊ ኢዮም ኰፍ ዝብሉ።
ምስ መራሒ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ኣብ ርእሱ ዝኸኣለ ክፍሊ እንተደኣ ተዘራሪብካ ኣብ ጎኑኹም ዝርከብ ክፍሊ ዓበይቲ ሰባት ኮፍ ክብሉ እዮም። ንሶም ድማ ብዛዕባ እንታይ ትዘራረቡ ከምዘለኹም ይከታተሉ። ጠበቓ ወይ ሞግዚት ምሳኻ እንተደኣ መጺኦም ውን ንሱ ወይ ንሳ ኣብቲ ጎኒ ዘሎ ክፍሊ እዮም ኮፍ ዝብሉ።
ወለድኻ ወይ እቲ ጠበቓ ክሰምዑኻ እንተዘይደሊኻ ንመራሕ እቲ ኣኼባ ክትሕብሮ ኣለካ።
ርይቶኻ ኢና ክንሰምዕ ንደሊ ብእኡ መሰረት ከኣ ንዓኻ ይሓይሽ ኢዩ ዝበልናዩ ኢና ከነጻሪ። ስለዚ ድማ ብዛዕባኻን ብዛዕባ ኣተዓባብያኻን ዝምልከቱ ዝተፈላለዩ ነገራት ክትሕተት ትኽእል ኢኻ። እንተደኣ ክትምልስ ዘይትኽልን ባህ ዘይበለካን ኰይኑ ግና፡ ኣየተሓሳስብካ። ኩይኑ ግና ሓቂ ክትዛረብ ኣለካ።
ኩሎም እቶም ዝሰምዑኻ ፡ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎም። ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ማለት ከኣ ብዛዕባ እቲ ንስኻ እትነግሮ ንካልኦት ክነግሩ ኣይፍቀዶምን ኢዩ ማለት ኢዩ።
እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ፡ እቶም ሽማግለ ጉዳይካ ክውስንዎ ኢዮም። ኣብ ገለ ገለ እዋናት እውን እቲ ዝነገርካና ብልክዕ ከም ዝተረድኣናካ ንምርግጋጽ ጉዳይካ ጥብቕ ኢልና ንምርምሮ ኢና።
እቲ ውሳኔ ናብ ወለድኻ ኢና ንሰዶ፡ መብዛሕቲኡ ግዜ ናብ ጠበቓኦም።
