ሽማግለኣዊ ኣኼባ ዓይነት ኣኼባ ኰይኑ፡ ሓደ ጉዳይ ኣብ ሽማግለ ተቐበልቲ ይግባይ (ኣብያተጽሕፈት ሽማግለ ጉዳያት ወጻእተኛታት ተቐበልቲ ይግባይ) ቀሪቡ ዝርኣየሉን ዝውሰነሉን ኣገባብ ኢዩ።
ሓደ ጉዳይ ኣብ ሓደ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ቀሪቡ ክርአ እንከሎ ብሰለስተ ሽማግለ ተባሂሎም ዝጽውዑ ሰባት ኢዩ ከም ንቡር ተራእዩን ዝውሰንን። እታ ሽማግለ ብሓደ ከም መራሒ ሽማግለ ተቘጺሩ ዝሰርሕ ሰራሕተኛ ሽማግለ ኣብያተጽሕፈት ጉዳያት ወጻእተኛታት ተቐበልቲ ይግባይን ብክልተ ኣባላት ሽማግለን ዝቘመት ኢያ።
ኣብያተጽሕፈት ሽማግለ ጉዳያት ወጻእተኛታት ተቐበልቲ ይግባይ/UNE ዝብሃል ኣብያተጽሕፈት ልዕሊ 200 ኣባላት ሽማግለ ዘሎውዎ ኣብያተጽሕፈት ኢዩ።
እቶም ኣባላት ሽማግለ ብእመማ ኣመሓደርቲ ዞባዊ ጉዳያትን ብሓያሎ ውድባትን ተሮቚሖም ብሚኒስትሪ ፍትሕን ተዳልዎን ዝምዘዙ ኢዮም።
ክልተ ካብቶም ኣባላት ሽማግለ ብሃውሪ ንክሽምግሉ ካብ ክልተ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ብዕጫ ዝተመዘዙ ኢዮም። ሓደ ካብቶም ዝተኣመሙ ሽማግለታት እንተ ብኣመሓደርቲ ዞባዊ ጉዳያት፡ ብማሕበር ክኢላታት ሕጊ ኖርወይ ወይ ብማሕበራዊ ስነ-ፍልጠተኛታት ዝተመዘዘ'ዩ። እቲ ካልእ ኣባል ሽማግለ ብኣብ ጉዳያት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቚባን ወጻእተኛታትን ዝዋፈራ ወለንተኛውያን ውድባት ዝተኣመመ ኢዩ። እተን ወለንታውያን ውድባት ከምኒ ብዓል ኑዋስን/NOAS (ማሕበር ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቚባን ኖርወይ) ቀይሕ መስቀልን ክዀኑ ዝኽእሉ ኢዮም።
ዕዮታት ናይቶም ሽማግለ
ሓደ ጉዳይ ከም ዝከኣል መጠን ብዝበለጸ ንክንጽርን ብቊኑዕ ሕጊ ብዝድንግጐን መሰረት ክውስኑን እቶም ሽማግለ ሓበራዊ ተሓታትነት ኣለዎም።
እቶም ሽማግለ ብሓባር ኣብቲ ጉዳይ እንታይን ከመይን ከም ምዃኑ ሓቢሮም ብምጥላቕ ኢዩም ውሳነኦም ዘሕልፉ፡ ምስ ኣስራሒኦም ይዂን ምስቶም ዝሮቚሑዎም ዝዀነ ምትእስሳር ከይሃለዎም ኢዩም ሓደ ጉዳይ ርእዮም ዝውስንዎ። እዚ ማለት ከኣ እቶም ሽማግለ ውሳኔታቶም ኣብ ዘሕልፉሉ እዋን ብካልእ ከይተማእዘዙ ብናይገዛእ ርእሶም ግምገማ ኢዮም ነቲ ውጽኢት ውሳኒኦም ዘሕልፍሉ። ኩሎም እቶም ኣብቲ ናይ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ዝሳተፉ ኣካላት ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎም።
ብሽማግለኣዊ እኼባ ተራእዮም ዝውሰኑ ጉዳያት ኣዮኖት ከም ምዃኖም ኣብዚ መርበብ ገጽ ሓበሬታ እዚ ኣቲኻ ክንበብ ይከኣል።
ሓደ ብሽማግለኣዊ እኼባ እቲ ዝምልከቶ በዓል ጉዳይ ሓታቲ ዑቚባ ዘለዎን ወይ እውን ብዘይ ብኡኡን ክካየድ ዝኽእል ኢዩ።
ሓደ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ኢዩ ዝካየድ፡
- ሓደ ካብቶም ኣገባባት ሓደ ተሓዚ ጉዳይ ነቶም ዝምልከቶም ሽማግለ እቲ ጉዳይ ከመይ ከም ዝመስል የቕርበሎም፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ጉዳይ «ብኣካል ከይተረከብካ ዝካየድ ሽማግለኣዊ ኣኼባ» ተባሂሉ ይጽዋዕ።
- ካልእ ዓይነት ኣኼባ ድማ እቲ ሓታቲ ዑቚባ ምስ ጠበቓኡ ወይ ዝደልዮ ካልእ ወኪሉ ዝርከበሉን ብቶርጓማይ ክስነን ዝኽእልን ዓይነት ኣኼባ ኰይኑ፡ «ብኣካል ተረኪብካ ዝካየድ ሽማግለኣዊ ኣኼባ» ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዓይነት ኣኼባ እዚ’ውን ሓደ ተሓዚ ጉዳይ ነቶም ዝምልከቶም ሽማግለ፡ እቲ ጉዳይ ከመይ ከም ዝመስል ዘቕርበሎም ኣሎ። ብሸነኽ ካልኦት ዝብርከት እውን ኣሎ’ዩ፡ ከም ንኣብነት ኣማኸርቲ ፈላጣት ካልኦት ሃገራት ኰይኖም ላንድኢንፉ/Landinfo ዝብሃሉ ኣለው (ምሕደራዊ ጉዳያት ወጻእተኛታት ኖርወይ ሞያዊ ኣሃዱ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት)።
- ኣብ ገለ ገለ ውሱናት ጉዳያት ብዓብይ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ክውሰኑ ዝኽእሉ ጉዳያት ኣለው። ዓብይ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ብሰለስተ ቊጹራን መራሕቲ ሽማግለታትን ብኣርባዕተ ኣባላት ሽማግለታትን ዝቘመ ኢዩ። ከም ልሙድ ዋና ጉዳይ ዝዀነ ሓታቲ ዑቚባ ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፍ'ውን ይኽእል ኢዩ።
ብዛዕባ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ዘርኢ ፊልም ኣብዚ ርአ።
ሓደ ብኣካል ተረኪብካ ዝካየድ ሽማግለኣዊ ኣኼባ ከመይ ይመስልን ብኸመይ ይካየድን ንምፍላጥ ኣብዚ ክርአ ዝኽእል ፊልም ኣሎ።
ብዛዕባ ሽማግለኣዊ ኣኼባን ዓብዩ ሽማግለኣዊ ኣኼባን ዝምልከት ሕግታት ኣብ ሕጊ ወጻእተኛታትን ኣብ መምርሒታት ወጻእተኛታትን ናይ ኖርወይ ኣብዚ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ፡ utlendingsloven § 78 (lovdata.no) og utlendingsforskriften § 16-3 (lovdata.no)።
